Gå direkte til innholdet
??????
Spar

??????

pocket, 2023
Tigrinja

ነቲ ናብ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘብጽሐ ናይ 1940'ታት ታሪኽ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ከም ዝኸውን ዝገብሮ ሓደ ዓቢ ምኽንያት ኣሎ። እዚ ድማ፡ ውሳኔ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንፈደረሽን፡ ማለት'ውን ውሳነ 390/V ናይ 1950፡ ወጻኢ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተኻየደን ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባረቐን ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ረብሓታትን ስትራተጂ ሓያላት ሃገራትን ስለ ዝተወስደ ኢዩ። ክልቲኡ እዚ መስርሓት እዚ፡ ነንሓድሕዱ ዝገራጮን ዘይራኸብን መስመራት ስለ ዝኽተል፡ ብሓቂ ክልተ ዝተፈላለየ ዛንታታት ኢዩ ዘዘንቱ። ኣብ'ዚ መጽሓፍ'ዚ፡ ነዚ ኽልተ ማዕረ ማዕረ ዝኸደ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ፡ ማለት ነቲ ናይ ህዝብና ቃልሲ ብሓደ ወገን፡ ነቲ ኣህጉራዊ መስርሕ ከኣ በቲ ኻልእ ጠሚርና ክንገልጽ ፈቲንና ኣለና።

ISBN
9789994800537
Språk
Tigrinja
Vekt
576 gram
Utgivelsesdato
1.1.2023
Antall sider
434