Gå direkte til innholdet
?????? ???? (The unheard Ultimatum)
Spar

?????? ???? (The unheard Ultimatum)

Forfatter:
pocket, 2020
Tigrinja
190,-

ጎደናታት ሰብ መሊኡ እንተዕለቅለቀ ሰብ ኣይተሳእነን ኣይትበሉ፡፡ ዝጠፍአ ሕልናታት ጸይራ ትትክዝ ዘላ መሬት ዓው ኢላ ንሓሶትኩም ክትምጉት ኣይትጸበይዋ፡፡ ኣየ መሬት ትረኽቦ? ዕድሚኦም ዓቢ ተግባራቶም ናይ ህጻውንቲ ፍጡራት ካብ ዓቅማ ወጻኢ ኮይኖማ፡፡ ተስፋኣ ካብ ብሕጂ ዝመጹ ሓደሽቲ ወለዶ ከይትገብር ድማ ካብ መን ዝተወልዱን ብመን ዝዓበዩን ደቂ እያ'ሞ ባህጋ ከተቐምጥ፡፡ ፍቅሪ ከይሃበ "ኣነ ፍቅሪ ዝግብኣኒ ኣይረኸብኩን" እናበለ ዘእዊ ሰብ፡ ዝበልዓላን ዝሸነላን መሬት 'መለሳ ልግሰይ ይደሊ ኣለኹ' ኢላቶ ከምዘይትፈልጥ'ባ እቶም ዝሓሽኩም እትበሃሉ ንገሩለይ ካብ ዕሽነት ዝጸገቡን፡ ምቅሉልነት ዝጠመዩን ኣህዛብ ዝመልእዋ ከተማ'ሞ እንታይ ዝሰምር ሰናይ ከይህሉ'ዩ።

"ኣብዛ ከተማ ካብ ንፋስ ቀውዕን ህቦብላ ሓጋይን ንላዕሊ፡ ዘራጊቶ ሕሜታ ዝያዳ ከምዝውንጨፍ፡ ተቀማጦኣ ብትሕቲ ልሳኖም ዝምስክርዎ ዝከፍኣ ሕፍረት ውሽጦም'ዩ፡፡ እዞም ኣህዛብ ካብ ዘርዕድ ሓቂ፡ ዝተመቃቀረ ንኣእዛኖም ይምችእ፡፡ ሕልንኦም ጌጋ ወረ ይሰንቅ ምህላዉ እናተሰቆሮም፡ ነቲ ገፈጥ-መፈጥ ቃላት ከም ትእዛዝ ኣባት-ነብሶም ጎሲሞሞ የስቅጡ፡፡ ዋላ'ኳ ሓደ፡ ነቲ ቅኑዕ መምዩ ከይስዕቦ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ጽድቂ ዝሰሓዎ መንገዲ ብምሓዞም፡ ነቲ ናቱ ጫሌዳ ርእዮም፡ "ርእስኻ የላን " ከይብልዎ ይፈርሕ..."

በዚ ምፍልላይ'ዚ ዓይኑ ዝነቑሐን ኣእዛኑ ንወረ ዝገተረን መልሓሱ ኣህጢሩ ዝልፍልፍን ሰሰነ፡፡ ናይዚ ርድኢት'ዚ ግብረ መልሲ ድማ ናብ ገንዘብ ዝጓየ መንእሰይ፡ ፍልጠቱ ከዛይድ ዝህንደድ ምሁርን፡ ንሓላፍነት ክጎራፈጥ መሬት ዝመሰዮ ስሱዕን፡ ዝለመዶ ሃልይዎ ንደቁ ወጊድ ኢሉ ዝፋታሕ ወላድን፡ ውርሻ ንዝገድፈሉ ሰብ ስኢኑ ብዘይ ለበዋ ዝቕበር ኣረጊትን ምስ ምፍልላይ ኣላይን ሶቬትን ሓዊስካ ብዘይ ምግናን እዛ ከተማ ጨው ሰኣነት፡፡

Forfatter
???? ????
ISBN
9789994851607
Språk
Tigrinja
Vekt
227 gram
Utgivelsesdato
15.5.2020
Forlag
PUBLISHER
Antall sider
212