Gå direkte til innholdet
???-77 Salina-77
Spar

???-77 Salina-77

Forfatter:
pocket, 2025
Tigrinja

ኣብ ታሪኽ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ፡ ብህዝብን ተጋደልትን ዝተፈጸመ ድንቂ ሰብኣዊ ተመክሮታት፣ ክሳብ ሕጂ ንዕኡ ብዝበቕዕ መጽሓፍቲ ኣይተገልጸን። መጽሓፍ 'ሳሊና-77'፡ ነቲ ብዙሕ ዘይተጻሕፈሉን ዘይተነግረሉን ህዝባዊ ግንባር ባጽዕ ንምቑጽጻር ዘካየዶ ስርሒት፣ ውግእ ሰምሃርን ሳሊናን፣ ኣብ ዉልቓዊ ዝኽርታት ደራስን ብጾቱን ብምምርኳስ እትትርኽ መጽሓፍ'ያ።

ዓመተ 1977፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ካብ መድረኽ ደባይ ናብ መድረኽ ተንቀሳቓሲ ቅዲ ኲናት ዝተሰጋገረሉ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ዝተኻየደ ክልተ መሪር ውግኣት ሳሊና፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ተምኩሮን ዓቅምን ዘጋጠሞ መኻልፍ ብኣደናቒ ሰብኣዊ ዛንታታት ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ውግእ ዓወትን ስዕረትን ንቡር ስለ ዝኾነ፡ እቲ ኣብ ውግኣት ሳሊና ተጋደልቲ ዘሕለፍዎ ኣዝዩ ጽንኩር ንምእማኑ ዘጸግም ኩነታት ኣብ መጽሓፍ 'ሳሊና-77' ብጋህዲ ቀሪቡ ኣሎ።

ISBN
9789994864881
Språk
Tigrinja
Vekt
590 gram
Utgivelsesdato
1.1.2025
Antall sider
422