Gå direkte til innholdet
????? ???? ?? ????? ?? ????? ??? ??? 1951-1955
Spar

????? ???? ?? ????? ?? ????? ??? ??? 1951-1955

pocket, 2023
Tigrinja

"ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ - ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ"፡

መቐጸልታ ናይቲ "ኣይንፈላለ፡ ኤርትራ 1941-1950" ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብሰነ 2001 ብኣሕተምቲ ሕድሪ ተሓቲሙ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ኢዩ። ኣብ

ጊዜ ብረታዊ ቓልሲ፡ ማለት ኣብ 1987-1988፡ ክፍሊ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ

ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ "ምምሕዳር ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ"ን፡ "መድርኽ ፈደረሽንን

ጐበጣ ኤርትራ ብኢትዮጵያን" ዝብላ ጽሑፋት ኣሕቲሙ ነይሩ። ሽዑ ዝነበረ ሕጽረት ሓበሬታን ውሱንነት ዓቕምን እተን ጽሑፋት ተማሊአን ንኽቐርባ

ኣየኽኣለን። "ኣይንፈላለ"ን እዚ ናይ ሕጂ ጽሑፍ ብዛዕባ ቐዳማይ ክፋል መድርኽ ፈደረሽንን፡ ነቲ ናይ'ቲ እዋን ሕጽረታት ኣማሊኡ ከቕርብ ፈቲኑ

ኣሎ።

ኣብ መእተዊ ናይ "ኣይንፈላለ" ብሰፊሑ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ሓቀኛ ታሪኽ

ኤርትራ ካብ ሰነዳት ናይቶም በብጊዜኡ ዝገዝኡዋ ወገናትን ካልኦት ናይ

ደገ ተዓዘብትን ጥራይ ክግለጽ ዘይክኣል'ዩ። ታሪኽ ኤርትራ ብኤርትራውያን

ዝስራሕ ክነሱ ግን፡ ማዕረ'ቲ ናይ ገዛእቲ ሰነዳት ክሰርዖ ብዝኽእል ኣገባብ

ከይተሰነደ ስለ ዝጸንሐ፡ ብዛዕብኡ ክጽሕፍ ዝብገስ ሰብ ብዙሕ ከም ዝጻገም

ክፍለጥ ይግባእ። ካብኡ ናብኡ፡ እቲ ኣብ "ኣይንፈላለ" ሰፊሩ ዘሎ ናይ

1940'ታት ታሪኽ'ኳ ይሓይሽን ገለ ምንጭታት ይርከበሉን እምበር፡ እቲ

ናይ እዋን ፈደረሽን ፍጻመታት ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ሰነዳት

ስለ ዘጥፍአን ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዘግዓዘን፡ ብሓበሬታ ዝደኸየ ኢዩ።

ISBN
9789994800094
Språk
Tigrinja
Vekt
599 gram
Utgivelsesdato
2.1.2023
Antall sider
452